ተልእኾ፡ ንእሾኽ ብእሾኽ – Telako Nshok Bshok

30€

ግንቦት 2024 እዩ። ነቲ በብእዋኑ ኣብ ማዕከናት ዜናን ማሕበራዊ ሜድያታትን ብዛዕባ ሃገረይን መንግስተይን ዝብሃልን፡ ፖለቲከኛታት ኣውሮጳ፡ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣህጉራውያን ትካላት፡ ውልቀ ሰባት፡ እንተስ ብብልሽውና እንተስ ስልጣን ዘይተዋሃበኒ እንተስ ኩስቶ ኣኾሩዪኒ ኢሎም ናብ ዓዲ ሃገር ተሰዲዶም ዘቝዘምዝሙን ሕወሓት ዘዋፈሮም ሃሱሳት ጋዜጠኛታትን ዩትዩበራትን ደቂ ሃገርን ንዝሃነጽናዮን እንሃንጾን ዘለና ሃገራውነት ንምዅላፍ ዘካይድዎ ዘመተን መደረታትን ጸለመን ዘስፈርኩሉ መዘክረይ ገናጺለ ኣብ ምንባብ ተጸመድኩ። ሻቡ፡ ነዛ መጽሓፍ’ዚኣ ክጽሕፍ ተበገስኩ። ጽሒፈ ድማ ወዳእኩ፣ ታሕሳስ 2024።

ነዛ መጽሓፍ ኣብ ምእራም ፊደላት ኣብ ዝነበርኩሉ እዋን፡ ኢንሳ (የኢትዮጵያ ደህንነትና መረጃ ኤጀንሲ)፡ ድሕሪ ፍጹም ስዕረት ሕወሓት 2022 ነቶም ኣብ ኣውሮጳ፡ ኣሜሪካ፡ ካናዳን እስራኤልን ኣብ ልዕሊ ፌስቲቫላት ማሕበረኮም ኤርትራውያን ግብረ ሽበራ ዝፈጸሙ ግብረ ሽበራውያን ኣብ ጥሪ 2025 ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣኻኺቡ ክወዳድቦም ተዓዘብኩ፣ ዓቕሊ ጽበቱ ገረመኒ። እቲ ምንታይሲ፡ መበገሲ ትረኻይ፡ ንሱ እዚ ምውድዳብ ክፍተን ምዃኑ ኣቐዲመ ኣብዛ መጽሓፍ’ዚኣ ኣስፊረዮ ብምህላወይ።

Out of stock

Category:

Additional information

Weight 350 g