ጸጋይ ተኽለሚካኤል

ChatGPT Image Sep 12, 2026, 02_15_56 PM (1)

ደራሲ ጸጋይ ተኽለሚካኤል ገብረህይወት (ኢንጅኔር)፡ ኣብ ኣስመራ ተወሊዱ፡ ኣብ ቤ/ት ጣልያን፡ ቀዳማዊ ሃይለስሊሴን (ሎሚ ኣዱሊስ) ፈለገሂወትን ክሳብ ሻድሻይ፣ 1972 ምስ ስድራ ቤቱ ናብ ኢትዮጵያ ተሰዲዱ ማእከላይ ኣስፋ ወሰን ካልኣይ ደረጃ ኣብ ነፋስ ስልክ ኣዲስ ኣበባን ተማሂሩ። ሰነ 1976 ናብ ኣስመራ መጺኡ ኣብ ልኡል መኮንን ክሳብ ዓሰርተው ሓደ ክፍሊ ተማሂሩ። ካብ ወርሒ ጥቅምቲ 1976 ኣብ ዓዲ ንፋስ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ሓርነት ኤርትራ ተወዲቡ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ታሕሳስ 1977 ናብ ሱዳን፡ ሕዳር 1978 ናብ ሃገረ ጀርመን ተሰዲዱ። ኣብ ጀርመን ኣብ ስደት ኣብ ዝጸናሓሉ እዋን ለካቲት 1984 ኣብ ቤት ትምህርቲ ቴክኒክ Bundesfachanstallt feur Elektritechnik (BfE Oldenburg) ከተማ ኦልደንቡርግ ብኤለክትሮ መካኒክነት ብዲፕሎማ ተመሪቑ። ላዕለዋይ ትምህርቲ (ኮሌጅ) ኣብ ከተማ ብሬመን (Hoch FachSchule Bremen)ብኤለክትሪካል ኢንጂነሪንግ (ፓወር ኢንጅነሪንግ) ብቐዳማይ ዲግሪ ተመሪቑ።

ሕዳር 1993 ኣብ ስደት ካብ ዝጸናሓሉ ጀርመን ናብ ሃገሩ ኤርትራ ተመሊሱ።

ኣብ ኤርትራ ኣብ ሚኒስትሪ ጽዓት ኣብ መደበር ሓይሊ በለዛ ከምኡ’ውን ኣብ ሚኒስትሪ ህንጻ ከም ሱፐርቪዘር ድሕሪ ምስራሕ፡ ካብ ግንቦት 1997 – ግንቦት 1999 ኣብ ዋግነር ሲስተም ብዩልዲን ሰሪሑ።

ነሓሰ 1999 ኣብ ማእከል ስልጠና ሓይልታት ምክልኻል ሳዋ ኣብ ዑቑር ሰራዊት ወተሃደራዊ ታዕሊም ወሲዱ መጋቢት 2000 ኣብ ኣስመራ ተመዲቡ ድሕሪ ምጽናሕ ነሓሰ 2000 ካብ ዑቑር ሰራዊት ተፋንዩ።

ካብ ሰነ 1999 ክሳብ 2006 ናይ ብሕቱ ትካል ኣማኻሪ ኢንጂነሪንግ ከፊቱ ድሕሪ ምስራሕ ኣብ ንግዲ ተዋፊሩ ሰሪሑ።

ደራሲ፡ ግንቦት 2016 “ንምንታይ?” ቀዳመይቲ መጽሓፉ ደረሱ። ኣብ 2017 “ስርሒት በርሊን 1984”፣ 2019 “ኤርትሮ – ኢትዮጵያ ከመጋረጃው በስተጀርባ” ከምኡ’ውን “ኤርትራ፡ ጕዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ” (ደራሲ ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ) ኣርቲዑን ኣሕቲሙን፣ 2021 “ሰላዪት ኣብ መቐለ”፣ 2022 “ዛንታ ጸዓዘጋን ሃዘጋን” (ደራሲ ዮሃንስ ኮልመዲን) ኣርቲዑን ኣሕቲሙን፣ 2023 “ኣደ!”፣ 2023 “ዝተለውየት ሴፍ”፣ 2024 “ኣነ’የ” (ደራሲት ብስራት ተስፋይ) ካብ ጀርመን ናብ ትግርኛ ተርጒሙ፣ 2025 “ተልእኾ፡ ንእሾኽ ብእሾኽ” ንማሕተም ኣብቂዑ።

ደራሲ፡ ካብተን ህቡባት መጻሕፍቱ ሓንቲ፡ ልዕሊ 500 ሽሕ ኣንባቢ ዝረኸበት “ሰላዪት ኣብ መቐለ” ኮይና፡ ክሳዕ እዚ እዋን 13 መጻሕፍቲ ንሕትመት ዘብቀዐ እዩ።

ኣብዚ እዋን (2026)፡ ንፖለቲካዊ ጕዕዞ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ እትድህስስ “ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ካብቲ ዓቢ ንእሽቶ ስእሊ” ትብል መጽሓፍ ንኣንባቢ ዘቕረበ እዩ።