ሰላዪት ኣብ መቐለ – Selayit Ab Mekelle

30€

ኢራን፡ ብነዳዲ ኣዝያ ሃብታም ሃገር’ያ። ኾይኑ ግና፡ ብንግስነት ረዛ ሻህ ትመሓደር ናይ ውሑዳት ቤተ-ሰብን መቕርብን ሰበ ስልጣናትን ጥራይ ዘይኮነት ነይራ፡ ባህርያዊ ሃብታ ብትካላት ዓባይ ብርጣንያ (ኣንግሎ ኢራንያን ኦይል ካምፓኒ) ተባሒቱ ህዝባ ብድሕረትን ስእነትን ዝሳቐየላ ሃገር’ያ ነይራ። ኣብ ፈለማ ሓምሳታት፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሞሳድቕ ብምርጫ ህዝቢ ኣብ ስልጣን ምስ መጽአ ብቐዳምነት ዝወሰዶ ስጉምቲ፡ ባህርያዊ ሃብቲ እታ ሃገር ኣብ መዓላ ህዝቢ ክውዕል ምህጋር ነበረ፣ ሃገሮ ኸኣ። ዓባይ ብርጣንያ ተናወጸት፣ ምምሕዳር ዋሽንግቶን ሰንበደ፣ ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣመሪካ ንሞሳድቕ ክዓሉ ተጓየየ። ሞሳድቕ ኣብ ነሓሰ 1953 ተዓለወ፣ ዘቤታዊ ማሕዩር ተበይንሉ ኣብ 1967 ዓረፈ።

ኩሉ መጽሓፍቲ ብትግርኛ ዝተጻሕፈ እዩ።

All books are written in Tigrinya

Out of stock

Category:

Additional information

Weight 350 g