ንምንታይ? – Nmntay?

30€

ካብ 1976-1991 ስውር ተጻብኦ መሪሕነት ህዝባዊ ወይነ ሓርነት ትግራይ ኣብ ልዕሊ ናጽነት ኤርትራ፣ ንምምስራት ዓባይ ትግራይ

ሓንቲ ሃገር፣ ኣብ ልዕሊ ጎረቤታ ሃገር፣ ኩናት እትእውጅ፤እታ ሃገር ልዕላውነታ ተጋሂሱ መሬታ ምስ ዝጉበጥ ምኻኑ ኣድማሳዊ ሓቂ እዩ። መሪሕነት ህ.ወ.ሓ.ት ኣብቲ እዋን ተጋድሎ ሓርነት ህዝቢ ትግራይ፣ካርታ “ዓባይ ትግራይ” ብወግዒ ኣብ ዘወጽኣሉ እዋን ዩ እምበኣርከስ፣ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ኩናት ኣዊጁ። ምኽንያቱ፣ እቲ ብ 1900፣ 1902 ከምኡ’ውን 1908 ኣብ መንጎ ጣልያን ሃጸይ ሚነሊክን ዝተገብረ ውዕል መግዛእታዊ ዶባት፤ ሕቡራት ሃገራት ኣብ 1952 ዝተቐበሎ ኤርትራዊ መግዛእታዊ ዶባት፣ ካርቶግራፊ ማእከላይ ወኪል ስለያ ኣሜሪካ ዘነጸሮን ኣብ ዘመን ሃጸይ ሃይለስላሴ ይኹን ስርዓት ደርግ ዘይተቐየረን ካርታ ኤርትራ፣ መሪሕነት ህ.ወ.ሓ.ት፣መሬት ኤርትራ ቄርሚሙ ኣብ ሓምለ 1976 ኣካል “ዓባይ ትግራይ” ብምግባር፣ ሕመረት ናይ ነዊሕ ተልእኾ ብረታዊ ቃልሱ ምዃኑ ብጉሁድን ስዉርን መገዲ ይስርሓሉ ስለ ዝነበረ፣ ንኹናት መሰረት ኣንቢሩ ክንብል ንኽእል።

ኩሉ መጽሓፍቲ ብትግርኛ ዝተጻሕፈ እዩ።

All books are written in Tigrinya

Out of stock

Category:

Additional information

Weight 600 g