ኤርትራ፡ ጕዕዞ ኣብ ተዘክሮታተይ (ደራሲ ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ) – Ahmed Tahr Baduri: Guozo Kab Tezekrotatey

30€

ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ፡ “ንምንታይ? ከምኡ’ውን “ስርሒት በርሊ 1984” ዘርእስተን መጻሕፍቲ ህያብ ክህቦ ናብ መንበሪ ገዝኡ ምስ ከድኩ’የ ብቐረባ ተፋሊጠዮ። ሓደ ደራሲ ኣብ መንበሪ ገዝኡ ከይዱ ዝደረሶ መጽሓፍ ከም ህያብ ክህቦ ምናልባት ትጽቢቱ ስለ ዘይነበረ ክኸውን ይኽእል፡ በቲ ልሙድ ላዛኡ “የቐንየለይ፡” ካብ ምባል ሓሊፉ ክብለኒ ዝኽእል ተውሳኺ ዘረባ ኣይነበሮን። ኮይኑ ግና፡ ደጊምና ብወዝቢ ተራኸና’ሞ፡ ቆጸራ ጌርና ተራኺብና ነዊሕ ኣዕለልና። ኣምባሳደር ኣሕመድ ጣህር ባዱሪ ብዛዕባ ተዘክሮታቱ መጽሓፍ ከም ዝጸሓፈ እፈልጥ ነይረ’የ። ኮይኑ ግና፡ እታ ብዓረብኛ ዝተደርሰት መጽሓፍ ናብ ትግርኛ ተተርጒማ ስለ ዘይረኣኹዋ፡ ምናልባት’ውን ከይገዛእኩዋ ሓሊፋትኒ ከይትኸውን ብምባል ህላውነታ ሓተትኩዎ። “እታ መጽሓፍ ቅድሚ ሓሙሽተ ዓመት’ያ ተተርጒማ፣ ግና ኣበይ ከም ዘላ ኣይፈልጥን’የ። ሓደ ሰብ ክርእየልካ ኢሉ ምስ ወሰዳ እንሆ ኣዋርሕ ኣቝጺራ፣ በጃኻ እንካ ናይቲ ሰብ ቴለፎን ካብኡ ወሲድካ ረአያ፡” ብምባል ኣምሪሩ ተመሕጸነኒ።

ኩሉ መጽሓፍቲ ብትግርኛ ዝተጻሕፈ እዩ።

All books are written in Tigrinya

Out of stock

Category:

Additional information

Weight 490 g